ምሳና ኣይከውንን’ዩ ! መኽሰብ ንምርካብ ኣይንቆርርን
ቈራሪ ወርሓት የፍርሃና እዩ! ንምግብን ጸዓትን ዚወጽእ ወጻኢታት እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ ንዅላትና ጾር እዩ ዚዀነና ። ትሑታትን ማእከላይን ኣታዊ ዘለዎም ሰባት: ጡረታ ዝወጹ: ሰልጠንቲ: ተማሃሮ: ስራሕ ዘይብሎም መዓልታዊ ናብራ ኽነብሩ ኣይክእሉን ኢዮም። ምኽንያቱ ኣብ ቀውዒ ዋጋ መሞቒ ገዛ ኣመና እንተ ወሲኹ ጸገማትና እናገደደ እዩ ዚኸይድ።
ን ተቃውሞና ኣብ ጎደናፃት ንገልጽ። ምሳና ኣይከውንን’ዩ ንብል!
ትካላት መክሰብ ንክረኽቡ ንሕና ናብ በረድ ኣይንቕየርን ኢና!
መንበሪ ገዛ ዋጋኡ ዓቅምና ክከውን ኣለዎ!
Echter Inflationsausgleich jetzt!
Echte Umverteilung jetzt!
እቲ እንቃወሞ ነገር ሸቶታትና ብሓባር ክንወቅዕ ጥራይ ከም እንኽእልን ንዅሉ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ሓድነት ከም ዚህልወናን ኣብ ዘሎና እምነት እተመርኰሰ እዩ ። ኣብ ሕብሪ ቘርበት: መበቈል: ጾታዊ ኣረኣእያ: መንነት: ጾታ: ሃይማኖት: ስንክልና ተመርኲስና ኽንመቓቐል ኣይንፈቅድን ኢና ። ምኽንያቱ እቲ ጸገም ማሕበራዊ ጕጅለ ዘይኰነስ ፖለቲካዊ ስጕምቲ ዘይምትሕብባር ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።
ተቓውሞና ነቲ ቕልውላው ክሊማ ኣይክሕዶን ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እትገብሮ ዘላ ወረራ ኣየቃልሎን ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ሓያላት ናይ ውዲት ጽውጽዋያት የብሉን ።